ተስፋ
 
ክጽውዓኩም ከሎ ዝሃበኩም ተስፋ ምእንቲ ክትፈልጡ(ኤፌሶን 1, 18)።
 
ክርስትያናዊ ተስፋ እንታይ እዩ፧
ተስፋ ምግባር ማለት ሓደ ድሌት ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝፍጸም ኣጽኒዕካ ምእማን ማለት እዩ። ክርስትያናዊ ተስፋ ምፍጻም መብጽዓታት ኣምላኽ ምጽባይ እዩ። ተስፋ ንኹሉ ተስፋታት ኣምላኽ ዝምልከት እዩ፣ ብፍላይ ግን ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎና ህይወት ዝምልከት፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን የሱስን፣ ምምላስ ኢየሱስን ሓዳስ ምድርን ሓድሽ ሰማይን ዝምልከት እዩ።
ተስፋ ምግባር ማለት ገና "ኣይተፈጸመን" ማለት እዩ፣ ግን ከኣ ትጽቢትና ከም ዝፍጸም ብርግጸኝነት ምእማን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ፍርሕን ጭንቀትን እንጥሕል፡ ብሓጐስን ብሰላምን ክንነብር ንኽእል ኢና። መሰረት ተስፋና ግን ጽኑዕን ዘተኣማምንን ክኸውን ከም ዘለዎ ክንርስዕ የብልናን። ተስፋና ካብ ህያው ኣምላኽ ወጻኢ ኣብ ካልኦት ደቂ ሰባት ወይ ኣብ ካልእ ሓይልታት ዝተመስረተ እንተኾይኑ ተስፋ ምቑራጽ ግድን እዩ። ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ ወዱ የሱስን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ዝተመስረተ ተስፋ ጥራይ እዩ ነቲ ዝጽበዮ ተስፋታት ምፍጻሙ ዘረጋግጽ።
ተስፋ ኣብ ህይወትካ ሃብቲ ንምግባር ዝግበር ተግባራት፤
- ጸሎት፤ስለቲ መብጽዓታቱን ኣብኡ ዘሎና ተስፋን ንኣምላኽ ነመስግን። ፍርሕኻን ጭንቀትካን ኣብ ኢዱ ኣእትዎ።
- ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፤ነዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ኣንቢብካ ሓንቲ ክትዝክሮም ምረጽ፡ ዮሃንስ 10, 28፤ ኤፌሶን 3, 20 ክሳብ 21፤ ራእይ ዮሃንስ 21, 4.
- ውልቃዊ ኣስተንትኖ፤ብቐጻሊ ዲኻ ትጭነቕ፧ ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ ህይወት እትፈትዎም ሰባት ሕማቕ ነገር ከይፍጸም ብፍርሒ ዲኻ ትነብር፧ እግዚኣብሄር መብጽዓታቱ ብኸመይ ከም ዝሕሉ ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት ኣለዉ፡ ኖህ፡ ኣብርሃምን ሳራን፡ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ሩት፡ ሃናን፡ ነህምያ... ሓደ ካብዞም ገጸ ባህርያት ኣጽንዕ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ሰብ ብኸመይ ከም ዘሰንዮ፡ ብፍላይ ኣብ ጽንኩር እዋን ኣቓልቦ።
- ንኻልኦት፤ጽብቕቲ ካርድ ምስ ዘተባብዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሪሕካ ንዝተጸገመ ዓርክኻ ሃቦ። ብኤስኤምኤስ፣ ብዋትስኣፕ ወይ ብኻልእ መንገዲ እውን እታ ጥቕሲ ክትሰድድዋ ትኽእሉ ኢኹም።