ውርሲ
ብክርስቶስ እውን ወረስቲ ኮይንና ኣለና...(ኤፌሶን 1, 11)።
 
ክርስትያናዊ ውርሻ እንታይ እዩ?
ሓደ ዝሞተ ሰብ ነቶም ገና ብህይወት ዘለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣባላት ስድራቤት ዝገደፎ ንብረት እዩ።
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እግዚኣብሔር ንዓና ደቁ ርስቲ ኣለዎ። ነዚ ርስቲ መሰል ዝህበና ድማ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኦ ድሕነት እዩ። ኣብዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እነጽንዖ ኩሉ ኣካል ናይቲ ውርሻ እዩ። ጳውሎስ ውርሻ "ክቡር ሃብቲ" ኢሉ ይጽውዖ (ኤፌሶን 1, 18)።
ወረስቲ ምዃን ማለት ገና ነዚ ሃብቲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይረኸብናዮን ማለት እዩ። ምስ እግዚኣብሔር እንነብር እንተ ዄንና ግና፡ ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ውሽጥና እንተ ሓዲሮም፡ ድሮ ሃብቲ ሰማያዊ ኣቦና ክንጥዕም ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሕቑፊ ስድርኡ ዝነብር ቆልዓ ድሮ ብመጠኑ ንብረት ኣቡኡ ከስተማቕር ዝኽእል። ነቲ ሰማያዊ ርስቲ ምሉእ ብምሉእ ምርካብና ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ቃል ተኣትዩልና ኣሎ (ዝቕጽል ምዕራፍ ርአ)።
 
ነቲ ውርሻ ኣብ ህይወትካ ሃብቲ ንምግባር ዝግበር ተግባራት፤
- ጸሎት፤ስለቲ ዝሃበኩም ሃብቲ ንኣምላኽ ኣመስግን። በብሓደ ዘርዝርዎም። ንኣምላኽ ብዝበለጸ ክትጥቀመሎም ክሕግዘካ ለምኖ።
- ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፤ኤፌሶን 1 ኣንብብ እሞ ኩሉ መንፈሳዊ በረኸትካ ዝርዝር ኣውጽእ ።
- ውልቃዊ ኣስተንትኖ፦ ድኻ ኮይኑ ዝስምዓካ እዋናት ኣሎ ድዩ? ካባኻ ንላዕሊ ዘለዎም ዝመስሉ ካልኦት ዲኻ ትቐንእ? ሃብቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድካ ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። እዚኦም ማንም ክሰርቆም ዘይክእልን ዘየበላሽዉን ሃብቲ ምዃኖም ኣይትረስዕ።
ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ፡ ካብቲ ኣብ ኤፌሶን 1 ዘሎ ሃብቲ ኣየናይ ምሉእ መዓልቲ ክትጥቀመሉ ከም ዝኸኣልካ ግዜ ወሲድካ ኣስተንትኖ። ንእሽቶ ደፍተር ጀሚርካ መዓልታዊ በረኸት ኣምላኽ ጽሓፍ።
- ንኻልኦት፤እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ውርሻና ምስ ስድራናን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብክርስቶስ ክንካፈል ይደሊ። ንግሆ ንግሆ ካብ ሃብቲ ውርሻኻ ሓደ ምረጽ እሞ ኣብ መዓልቲ ንዝረኸብካዮ ሰብ "ክትህቦ" እትኽእለሉ መንገዲ ድለ።